ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኹም ዝሕግዙ ኣርባዕተ መንገድታት

መንእሰያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኵሉ ሰብ ኣብ ገለ እዋን ህይወቱ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ክቃለስ ባህርያዊ እዩ።

ንጥዕና ኣካላትካ ንምምዛንን ጥዕናኻ ንምሕላውን ክትወስዶም እትኽእል ንኣሽቱ ስጕምትታት ግን ኣለዉ።

ንነዊሕ እዋን፡ "ቍጽሪ ሓደ ቀዳምነት ዝወሃቦ በርቲዕካ ምስራሕ" ዝብል ኣተሓሳስባ ከምዝነበረ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳን ደራሲ 'ወልፊ ጭንቀት' [Addicted to Anxiety] ኦዌን ኦ'ኬን ይዘራብ።

እንተዀነ ኦ'ኬን፡ ኣብዚሕካ ምስራሕ ንርእሱ፡ ሓጐስካ ናብ ምጥፋእ ከስዕብ ከም ዝኽእል ይዛረብ።

"ብዛዕባ ዝያዳ ምስራሕ ንዓመታት ተዛራሪብና ኢና፣ ልዑል ኣፍራይነት ዝምልከት፤ እንተዀነ ውሑድ ምስራሕን ኣብ ክንድኡ ኣእምሮኣዊ ምስትብሃልን ምስትንታንን ብዙሕ ረብሓታት ከምዘለዎ ብዙሕ መርትዖታት ኣሎ።"

ውህሉል ጸቕጢ

ጸቕጢ ምስ ግዜ ክውህለል ከም ዝኽእል፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳን ደራሲት መጽሓፍ 'ምሕደራ ጭንቀት'ን ዶክተር ክሌር ፕሉምሊ ትዛረብ።

ሓደ ንእሽቶ ነገር፡ ከም ኣብ ልዕሊ ዘይትፈልጦ ሰብ ዓው-ኢልካ ምዝራብ ወይ ደርፊ እናሰማዕኻ ዝሕንዝሕ ምንባዕ፡ ከምዚ ሕቖ ገመል ዝሰብር ጥማር ሓሰር ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ዶክተር ክሌር እዚ ሃንደበታዊ መጠንቀቕታ ክኸውን ከምዝኽእል ትዛረብ።

"ኣእምሮኣዊ፡ ኣካላውን ስምዒታውን ድኻም ናይ መወዳእታ ናይ ጸቕጢ ምላሽ'ዩ። ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ደረጃ ተመኵሮን ተገዳስነትን ምስ እትስእን ዝስምዓካ፡ ናይ ድኻም ኣጋጣሚ'ዩ።"

1. ኣካላዊ ቈላሕታ ግበር

ብስጭት፡ ስምዒት ተነጽሎን ከቢድ ድኻምን ከስዕብ ይኽእል'ዩ፣ እዚ ድማ ብፍላይ ወላዲ ወይ ኣላዪ እንተዄንካ/ኪ ዝገደደ ክኸውን ይኽእል።

ዶክተር ክሌር ፡ ነዚ ንምፍላጥ፡ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ናይ ኣእምሮ፡ ኣካላውን ስምዒታውን ደረጃ ዓቂንካ ክትፈልጥ ትመክር።

ወሲኻ ድማ፡ "ዝዀነ ልዕሊ ሰለስተ ነጥቢ [ዓቐን] ዘመዝገበ ሰብ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ኣካላውን ስምዒታውን ጸቕጢ እዩ ዘሎ" ትብል።

ሕዱር ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ኣካላትካ ጽልዋ ክፈጥር ከምዝኽእል ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ይዛረቡ።

ስለዚ ደረጃ ጸቕጥኻ ንምፍላጥ፡ ንኣካላዊ ኵነታትካ ኣቓልቦ ግበር።

ኣካላትና "ንውሱንን ህልውን ጸቕጢ ንምግጣም ኣብ ዝዳለወሉ እዋን"፡ ሰባት ልዑል ጸቕጢ ደምን ቃንዛ ኣፍልብን ከጋጥሞም ይኽእል'ዩ ይብል ኦ'ኬን።

ሕጽረት ትንፋስ ወይ ሕማም ርእሲ እውን ካልእ ልሙድ ሳዕቤናት እዮም።

ነዚ ንምምካት፡ ጕዕዞ እግሪ ምግባር፡ ንሓንጐል ንምህዳእ ዝሕግዝ ቃል ወይ ድምጺ ደጋጊምካ ምስማዕን ትመክር።

"ኣካላትካ ኣዛንዮ፣ ዋላ ንውሑዳት ደቓይቕ።"

ኣብ ዱር ዝጓዓዙ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

2. ምስ ተፈጥሮ ግዜ ኣሕልፍ

ከም ኣብ እዋን ዕረፍቲ ምሳሕ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ደገ ብዙሕ ግዜ ምሕላፍ፡ ንጥዕና ኣእምሮኻ ኣገዳሲ እዩ።

"ደቅኻ ካብ ቤት ትምህርቲ ክትወስድ ከለኻ ወይ ናብ ስራሕ ክትከይድ ከለኻ ሓሙሽተ ተወሳኺ ደቓይቕ ወስኸሉ" ትብል ዶክተር ፕሉምሊ።

"ካብ ገዛ ምስ ወጻእካ፡ ተሌፎንካ ኣቐሚጥካ ተወሳኺ ሓሙሽተ ደቓይቕ ኣብ መንገድኻ ኣሕልፍ።"

ገለ ተወሳኺ ናይ ምስግጋር ህሞታት ምውሳኽ፡ ንእሽቶ ግዜ ዳግማይ ክትሰርዕ የኽእል።

ዶክተር ፕሉምሊ፡ "ስርዓተ መትንና ተፈጥሮኣዊ ምልክታት ንምርኣይን ነዚ ከም ውሑስ ቦታ፡ ብደረጃ ቅድመ-ንቕሓት ንምትርጓምን ይለማመድ" ትብል።

"እቲ ጸገም እዚ ቅልጡፍ መፍትሒ ስለዘይኰነ፡ ምስ ግዜ ኣብ ምምሕያሽ ጥዕናኻ ኣበርክቶ ክገብር'ዩ።"

ዶክተር ፕሉምሊ ከምዚ ይብል፡ "ኣውቶኖሚ ስርዓተ ነርቭና ኵሉ ግዜ ስግኣታት ይምርምር፣ ኣብ ተፈጥሮ ንዘሎ ምልክታት ድሕነት ንምልዓል ተኣሰሳኢሩ ይሰርሕ።

ኣብ ተፈጥሮ ግዜ ምሕላፍ ኣብቲ ህሞት ክትህሉ የኽእለካ ይብል ኦወን ኦ'ኬን። ኣእምሮኻ ክዛነን ከዕርፍን ምፍቃድ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ስምዒት ይስምዓካ።

3. ሙዚቃ ስማዕ፡ ምስኡ ድረፍ

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ስነ-ኣእምሮኣዊ ስነ-ህይወትን ለበዳን ዶክተር ዴይዚ ፋንኮርት፡ ኣብ ጕጅለታት ደረፍቲ ዝተገብረ መርመራ፡ ድሕሪ ደርፊን ሳዕስዒትን ኣብ ጸቕጢ ዝፍጠር ሆርሞን ኮርቲሶል ምንካይ ከምዘርኣየ ገሊጻ።

ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ዓቕሞም ዝነበረ ነድሪ ምንካይ እውን ኣርእዮም።

"ነዚ ድማ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከምዘለና ዝሕብሩና ሳይቶካይን ዝበሃሉ ከሚካላዊ መልእኽተኛታት ብምርኣይ ኢና ዓቂንናዮ።"

እዚ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ክተረድእ እንከላ፡ "ነድሪ [ሕብጠት] ምስ ጥዕና ኣእምሮ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ስለንፈልጥ ኢና፣ ብፍላይ ድማ ምስ ጭንቀት" ትብል ዶክተር ዳይዚ።

ዋላ ምስማዕ ዘይትኽእል አንተዄይንካ፡ ደርፊ ተፈጥሮኣዊ ሓጐስ ክህበካ ይኽእል'ዩ፤ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ።

ብፍላይ መዝሙር ምስ 'ካናቢስ' ተመሳሳሊ ጽልዋ ኣለዎ።

ብሓባር ምድራፍ ድማ ማሕበራዊ ተነጽሎ ከጕድል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣእምሮ ዳግማይ ንምህናጽ'ውን ክሕግዝ ይኽእል።

ተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮ፡ ጸቕጢ ኣእምሮ፡ ሓንጐል ከቢድ እዋን ንምሕላፍ ዝጥቀመሉ ከም ዕቝር ማይ ክብሉ ይገልጽዎ።

ኣብ 2022 ኣብ መጽሔት ኒውሮሎጂ ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ዝተወሰኑ መዘናግዒታት፡ ንኣብነት ከም ካልኣይ ቋንቋ ወይ ሓድሽ መሳርሒ ሙዚቃ ምምሃር፡ ነዚ ምግባር የኽእል።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ እዋን እርጋን ክኽሰት ዝኽእል ኣእምሮ-ምድካም ክከላኸል ከም ዝኽእል ኣረጋጊጹ።

ሞባይሎም ዝጥቀሙ መንእሰያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

4. ኣብ ክንዲ ተሌፎን ምስ ሰብ ኣውግዕ

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ዝተገብረ ብርክት ዝበሉ መጽናዕትታት ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝምድናታት ከመሓይሽ ከምዝኽእል'ኳ እንተገለጹ፡ ንነብስኻ ምስ ካልኦት ብምንጽጻር ዝመጽእ ሓደጋ ጭንቀትን ተነጽሎን እውን ይውስኽ።

እዚ ምብትታኽ እዚ፡ ንጥዕና ኣእምሮ ከቢድ ሓደጋ የስዕብ።

ኣብ 2022 ብዩኒቨርሲቲ ሊድስ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ኣብቲ ዳህሳስ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ካብቲ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ንላዕሊ ተሌፎኖም ይጥቀሙ ነይሮም።

ስለዚ፡ ተሌፎንካ ኣቐሚጥካ ኣብ ክንድኡ ምስ ኣዕሩኽን ቤተሰብን ብኣካል ግዜ ምሕላፍን ዋጋ ኣለዎ።

ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ሮበርት ዋልዲንገር፡ ዳይረክተር፡ ናይቲ ንሓጐስ ዝምልከት ነዊሕ ዝወሰደ መጽናዕቲ እዩ።

ርኽበታቶም ከም ዝሕብሮ፡ "ጽቡቕ ዝምድናታት ዝያዳ ሕጕሳትን ጥዑያትን ይገብረና፤ ጽምዋ ድማ ከም ሽጋራ ምትካኽ ወይ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ሓያል እዩ።"

ዋልዲንገር ብዛዕባ እዚ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ሕጂ ልዕሊ 13 ሚልዮን ግዜ ተራእዩ ኣሎ።

ሮበርት ዋልዲንገር ከምዝብሎ፡ ድልዱል ማሕበራዊ ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት "ጥዑይን ነዊሕን ዕድመ" ከም ዝነብሩ ኣይጠራጠርን እዩ።

ስለዚ ኣብ ክንዲ ኣብ ተሌፎንካ ስእሊ ኣዕሩኽን ቤተሰብን ትርኢ፡ ስእሊ ወሲድካ ኣብ ገዛኻ ኣብ እትርእየሉ ቦታ ስቐሎ - ይብል።